Monday 22 December 2014

ስደተኛ ሬሳ



                         
    ስደተኛ ሬሳ
    ብዛዕባ ስደት ብዙሕ ተጻሒፉ
    ብዙሕ ተገጢሙ ብዙሕ ተደሪሱ
    የማነ ባርያ እካ
    ስደተኛ ኮይነ ኣይመርጽ ኣይምረጽ
    ኢሉኮ ዘሚሩ
    ዑስማን ዓብደልረሒም ዉን
    ብዘይ ሓዳር ብዘይ አድራሻ
    ኢሉኮ አምሪሩ
    ሎሚ አብ ዘመነ እስያስ
    አብ ዘመነ በለጽ
    ወዲ ዓዲ ኮይነ ኣይመርጽ ኣይምረጽ
    ይጭፍለቅ ይርገጽ
    ስደተኛ ኮይነ ግን
    አሎኒ አድራሻ
    አብ ማእከላይ ባሕሪ
    አብ ሲና ሳሃራ
    ስሙ ዘይፍለጥ
    ብቑጽሪ ዝልለ
    **********
    ይጉሂ ይሓምም
    ይነብዕ ይበኪ
    ይሓርቅ ይንድር
    ብዛዕባኻ ብዛዕባኺ
    እዚ ግን እኹል ድዩ
    ኣነውን ኮይነ ኣለኹ
    ናይ ሕልና ሬሳ

    Mohamed Kheir Omer 2011

No comments:

Post a Comment