Sunday 4 June 2017

محضر الاجتماع المشترك الثاني لقادة المناطق العسكرية والقيادة الثورية لجبهة التحريرالارترية ٩ اكتوبر ١٩٦٦ ELF minutes 9th October 1966

The detailed minutes of the second joint meeting of the leaders of the various military regions, the Revolutionary leadership and members of the Supreme Council of the ELF 09 - 12.10.1966

ዝርዝር መዝገብ አኼባ እቲ ኣብ ከሰላ ካብ ዕለት 9-12/10/1966 ኣብ መንጎ ላዕለዋይ ባይቶን ሰውራዊ መሪሕነትን መራሕቲ ክፍልታትን ዝተኻየደ ካልኣይ አኼባ ኢዩ።

ኣጀንዳ አኼባ

-       አብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ሐፈሻዊ ፖሎቲካዊ ኩነታት
-       ሰውራዊ መሪሕነት ብኡኡ ኣቢሉ ላዕለዋይ ባይቶ ንሰውራ ኤርትራ ዘመሓድረሉ ኣካል ኢዩ
-       አብ ወታሃደራዊ ክፍልታትን ክፍሊ ታዕሊምን ዘጋጥሙ ሓፈሻዊ ሽግራት ፡ ወታሀደራዊ ቀቢላዊ ሀይማኖታዊ  ሕጋዊ ፊናንስያዊ
-       አብ መጻኢ ውተሃደርራዊ ስርሒታት አብ ፍዳኢይን አብ ከተማታት ከተኩርን ኢትዮጵያ ኣብ ነፈርቲ ምጥቃማ ምዝታይን
-       ክፍልታት ክጥቆዖኦ ዘለወን እስትራተጃዊ ዝኾነ ቦታታት ምጽናዕ
-       አገባብ ርክብ መሪሕነትን ክፍልታትን ምዝታይ
-       ምውዳብ ተሳትፎ ህዝቢ አብ ዉሽጥን ርክቦም ምስ ክፍልታት
-       ናይ ፖሎቲካዊ ኮሚሸነር ርክብ ምስቶ ካልኦት ሓለፍቲ ክፍሊ ምንጻር
-       ገሌ ሓለፍቲ ክፍልታት ምፍራስ ክፍልታትን ብሓባር ኮንካ ን ከበሳ ምስጏም ዘቅረብዎ ጠለብ

ኣብዚ ጉብኤ ብወገን ላዕለዎይ ባይቶ እድሪስ ዑስማን ገላውዴዎስን እቶም ጸኒሖም ኣባላት ላዕለዎይ ባይቶ ዝኾኑ ጣሃ ሙሓመድ ኑርን ሳይድ ኣሕመድ ሙሓመድ ሃሽምን ተስቲፎም። ኩሎም ኣባላት ሰውራዊ መሪሕነት 1.. ሙሓመድ ስዓድ ኣደም ኣቦ መንበር ሰውራዊ መሪሕነት 2. ሙሓመድ እስማዒል ዓብዱ ጻሓፊ ሰውራዊ መሪሕነት 3. ጃዕፈር ሙሓመድ ተስፋ ተድሮስ ሓላፊ ስንቂን ዕጥቂን 4. ዑመር ኣልሓጅ እድሪስ ሓላፊ ፋይናንስ 5. ኣዜን ያሲን ሼኽ ኣዲን ሓላፊ ዜና (ዓረብ) 6. ኣሕመድ ሙሓመድ ዓሊ ዒሳ ሓላፊ ሰለያ 7. ወልዳይ ግደ ሓላፊ ዜና (ትግርኛ) 8. ማሕሙድ ሙሓመድ ሳልሕ ሓላፊ ስርዓታዊ ጉዳይ 9. ዓብዱ ዑስማን ሓላፊ ጥዕና 10. ሳልሕ ሕዱግ ሓላፊ ሓፈሻዊ ጉዳይ 11. ሳልሕ ኣሕመድ ኣያይ ሓላፊ ጨንፈር መሪሕነት ኣብ ፖርት ሱዳን። ተሳቲፎም ካብ መራሕቲ ክፍልታት፣ 1. ማሕሙድ ዲናይ መራሒ ቐዳመይቲ ክፍሊ 2. ዑመር ሓምድ እዛዝ መራሒ ካልኣይቲ ክፍሊ 3. ሓምድ ሳልሕ ምክትል መራሒ ሳልሰይቲ ክፍሊ 4. ዓሊ ማዕቱቅ ምክትል መራሒ ራብዓይቲ ክፍሊ ተስቲፎም።
----------------------------

ካብ  ብዑስማን ሳልሕ ደንደን ብዓረብ ዝተደርሰኵናት ኤርትራ






http://www.mediafire.com/file/gzc3s9ckqu04nxv/ELF+minutes+66+C.pdf

http://www.mediafire.com/file/gksy19xpf611vbv/ELF+First+joint+meetings+65.pdf

المصدر: كتاب عثمان دندن، معركة آرتريا

شكرا لمحمود لوبينت لتوفيره الكتاب


No comments:

Post a Comment